Fana: At a Speed of Life!

መራሕቲ ንኢንቨስትመንት ሞተር ምዕባላ ኢኮኖሚ ብምግባር ክጥቀምሉ ይግባእ-ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መራሕቲ ንኢንቨስትመንት ሞተር ምዕባላ ኢኮኖሚ ብምግባር ክጥቀምሉ ይግባእ ክብል ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ገሊፁ።

ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤ ኣብ ሞሮኮ ማራካሽ ምስ ዝተሳለጠ ፎረም ኢንቨስትመንት ጎኒ ንጎኒ ቢግ ዊን ፊላንትሮፒን ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካን ብሓባር ኣብ ዘሰናድእዎ ሓበራዊ መድረኽ ከንቲባታትን መዳርግቲ ትካላትን ተረኺበን።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ቢግ ዊን ፊላንትሮፒ ጄሚ ኩፐር፥ ከንቲባ ኣዳነች ንመሀደሲ ህፃናትን ስፍራ ስፖርት ንመናእሰይን ንክውዕሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 12 ሺሕ መዳታት ንምህናፅ ብቑርፀኝነት ኣብ ምስራሕ ከምዝርከባ ተዛሪቦም።

ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ዶ/ር ኣኪንዋም ኣዴሲና ብግደኦም፥ እቲ ፎረም ከንቲባታት ምዕባለን ልምዓትን ኣፍሪካ ንምቅልጣፍ ኣብ ትካላት ፋይናንስ፣ ከተማታትን ክልላትን ሓዱሽ ናይ ምትሕብባር በሪ ምኽፋቱ ገሊፆም።

መራሕቲ ኣፍሪካ ንኢንቨስትመንት ሞተር ምዕባላ ኢኮኖሚ ብምግባር ክጥቀምሉ ይግባእ ክብሉ እውን ተዛሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.