Fana: At a Speed of Life!

መርሃ ግብሪ መጀመሪ ሓዱሽ ስርዓት ዲጂታል ሓበሬታ ትምህርቲ በፃሓት ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር መርሃ ግብሪ መጀመሪ ሞጃ ዝተብሃለ ሓዱሽ ዘፈር ስርዓት ዲጂታል ሓበሬታ ትምህርቲ በፃሓትን ዘይስሩዕ ትምህርቲን ኣካይዱ።

እቲ ሓዱሽ ስርዓት ዲጂታል ሓበሬታ ብብርኪ ኣፍሪካ በፃሓትን ዘይስሩዕን ትምህርቲ ዝምልከቱ ዝኾኑ ይኹኑ ሓበሬታታት ንምውሳድን ሓደሽቲ ሓበሬታታት ንምፅዓንን ዝሕግዝ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ዳይሬክተር ጀነራል ትምህርቲ በፃሓትን ዘይስሩዕን ኣይተ መሓመድ ኣቡበከር፥ እቲ ስርዓት ዲጂታል ሓበሬታ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ምትእስሳር ንምፍጣር፣ ኣብ ሞንጎ ሰብ ሞያታት ልምዲ ንምልውዋጥ፣ ሓደ ካብቲ ሓደ ትምህርቲ ንምልውዋጥን ኣፍሪካዊ ዝኾኑ ሳርሒታትን መፅናዕታዊ ፅሑፋትን ብቐሊሉ ንምልውዋጥ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያ በጎልማሶችና መደበኛ ያልሆነ ትምህርት ዘርፍ ለምታደርገው ለውጥ ከፍተኛ እገዛ ያደርጋልም ብለዋል፡፡

ዋና ዳይሬክተር ዲ ቪ ቪ ኢንተርናሽና ኣይተ እሸቱ ኣባተ ብግደኦም፥ “ሞጃ”ማለት ሕብረት ማለት ኮይኑ፤ ኣብ ትምህርቲ በፃሓት ንኹሎም ሃገራት ኣፍሪካ ዘተኣሳስር ኢዩ ምባሎም ካብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.