Fana: At a Speed of Life!

መርሃ ግብሪ መጀመሪ ፕሮጀክት ምምሕዳር ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ መጀመሪ ፕሮጀክት ምምሕዳር ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ዕላዊ ኮይኑ።

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዩንቨርስቲታት ኣዲስ ኣበባ፣ ኦስሎን ማላዊን ብሓባር ዝተኸፈተ ኢዩ ተባሂሉ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ኣይተ ገረመው ነጋሳ፥ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሸቶታት ልምዓት ንምዕዋት ዓሊማ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ተግባራዊ ትገብር ኣላ ኢሎም።

እቲ ሸቶ ልምዓት ንምምራሕን ብግቡእ መገዲ ንምስላጥን ብብርኪ ሃገር ግብረ ሓይሊ ከምዝተጣየሸ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ግብረ ሓይሊ ስትራቴጂክ ብምቕራፅ፣ ፖሊሲ ብምንዳፍን ሓፈሻዊ ከይዱን እንትግምገም ከምዝፀንሐ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ገምጋም፥ ኣብ ዓውዲታት ምቕናስ ድኽነት፣ ማዕርነት ፆታ፣ ፅሩይ መስተ ማይ፣ ፅሬት ትምህርቲን ትካላዊ ጥንካረን ጉድለታት ከምዝተረኸቡ ሓቢሮም።

ስለዝኾነ እቲ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ፕሮጀክት ምምሕዳር ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ነዚ ኣብ ምቕራፍ ልዑል ግደ ከምዘለዎ ምግላፁ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

ኢትዮጵያን፦ እናልማ፣ እንገንባ፣ እንዘጋ

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.