Fana: At a Speed of Life!

መርሃ ግብሪ ምፅዳቕ ስትራቴጂ ብሄራዊ ኣገልግሎት ድጋፍ ነፃ ሕጊ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሰንኪ ሕፅረት ዓቕሚ ኣገልግሎት ሕጊ ምርካብ ንዘይኽእሉ ዜጋታት ተረባሒ ዝገብር መርሃ ግብሪ ምፅዳቕ ስትራቴጂ ብሄራዊ ኣገልግሎት ድጋፍ ነፃ ሕጊ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ፍትሒ ኣለምኣንተ ኣግደው፣ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ሰላም ታዬ ደንደኣን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ተረኺቦም።

ኣይተ ኣለምኣንተ፥ ዜጋታት ኣገልግሎት ፍትሒን ሕጊን ናይ ምርካብ መሰሎም ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ዝተቐመጠ እንተኾነ እውን ብዝተፈላለዩ ፀገማት ንኹሉ ተበፃሒ ምግባር ዘይከኣለሉ ኩነታት ኣሎ ኢሎም።

ብምኽኒያት ሕፅረት ዓቕሚ ኣገልግሎት ሕጊ ምርካብ ዘይኽእላ ደቂ ኣንስቲዮ፣ ህፃናት፣ ኣረጋዊያንን ኣካል ጉድኣትን ካልኦት ክፋላት ማሕበረሰበን ነፃ ኣገልግሎት ሕጊ ተበፃሒ ናይ ምግባር ፀገም ከምዝረአይ ሓቢሮም።

ሐዚ ዝፀደቐ ስትራተዌጂ ነቶም ፀገማት ብምፍታሕ ዓቕሚ ዘይብሎም ዜጋታት ብኣግባቡ ደገፍ ሕጊ ንክረኽቡ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ምዝራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.