Fana: At a Speed of Life!

መርሃ ግብሪ “ንኽብሪ ሰራዊት ምክልኻል ጠጠው ክብል ኢየ” ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣብ ዝርከባ ኤምባሲታት ኢትዮጵያ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ሕዳር ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ “ንኽብሪ ሰራዊት ምክልኻል ጠጠው ክብል ኢየ” ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣብ ዝርከባ ኤምባሲታት ኢትዮጵያ ተኻይዱ።

እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ኣፍሪካ፣ ኣውሮፓን ማእኸላይ ምብራቕን ኣብ ዝርከቡ ኤምባሲታት ኢትዮጵያ ኢዩ ተኻይዱ ዘሎ፡፡

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ፕሪቶሪያ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታትን ኣባላት ማሕበረሰብን ንሰራዊት ምክልኻል ዘለዎም ሓገዝ ገሊፆም፡፡

ብዝተተሓሓዘ ኣብሱዳን እውን ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ፍሉይ ልኡኽን በዓል ሙሉእ ስልጣንን ኣምባሳደር ፌዴሪኢ ይበልጣል ኣእምሮ ሓዊሱ ዲፕሎማሰኛታት እቲ ሚሲዮን፣ ድጋፍ ወሃብቲ ሰራሕተኛታትን መሳርሕቲ ኣታሼ ሰራዊት ምክልኻልን ተሳቲፎም፡፡

ኣብ ኬንያ ናይሮቢ፣ ዩጋንዳ ካምፓላን ግብፂ ናይሮቢን ኣብ ዝርከባ ኤምባሲታት ኢትዮጵያ እውን ዲፕሎማሰኛታትን ድጋፍ ወሃብቲ ሰራሕተኛታትን ንሰራዊት ምክልኻል ዘለዎም ክብሪን ሓገዝን ኣርኢዮም፡፡

ኣብ ስዑድ ዓርብ ከተማ ሪያድን ኳታር ዶሃን ኣብ ዝርከቡ ኤምባሲታት መርሃ ግብሪ “ንኽብሪ ሰራዊት ምክልኻል ጠጠው ክብል ኢየ” ኣካይዶም፡፡

ኩሎም ተሳተፍቲ እቲ መርሃ ግብሪ ንሓደ ደቒቕ ኢዶም ናብ ኣፍ ልቦም ገይሮም ጠጠው ብምባል ንሰራዊት ምክልኻል ዘለዎም ክብሪ ዝገለፁ እንትኾኑ፥ ሕጊ ኣብ ምኽባር ወፍሪ እናሃለዉ በቲ ጁንታ ዝተሰውኡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል እውን ዘኪሮም።

ብተወሳኺ ኣብ እንግሊዝ ከተማ ለንደን ኤምባሲ ኢትዮጵያ እቲ መርሃ ግብሪ ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ዲፕሎማሰኛታትን ኣባላት ማሕበረሰብን ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘለዎም ክብሪ ገሊፆም፡፡

ኣብ ቤልጂም ብራስለስ፣ ስዊድንን ጀርመንን እውን ንሰራዊት ምክልኻል ዘለዎም ክብሪ ኣካይዶም፡፡

እቲ መርሃ ግብሪ “ንኽብሪ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ደው ክብል ኢየ”፥ ኣብ ጣሊያንን ፈረንሳይን ኣብ ዝርከቡ ኣምባሲታት እውን ተካይዱ፡፡

ኣብ እስራኤልን ሩሲያን ዝርከባ ኢምባሲታት ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታትን ሓገዝ ወሃብቲ ሰራሕተኛታትን ንሰራዊት ምክልኻል ዘለዎም ክብሪ እናገለፁ ውዒሎም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.