Fana: At a Speed of Life!

መርማሪ ቦርድ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣብ ሆስፒታል እዚ ምዕራብ ንኣባላት ሰራዊት ዝግበር ሓገዝ ሕክምና ተዓዚቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መርማሪ ቦርድ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣብ ሆስፒታል እዚ ምዕራብ ንኣባላት ሰራዊት ዝግበር ሓገዝ ሕክምና ተዓዚቡ።

ሎሚ ቅነ ኣብ ምዕራብ ትግራይን ጎረቤት ክልል ኣምሓራን ተዘዋዊሩ ስራሕቲ ምርመርኡ እናከናወነ ዝነበረ መርማሪ ቦርድ ኣፈፃፅማ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን፥ ቀዳማይ ዙሩ ምልከታ መስክ ምዝዛሙ ካብ ቤት ፅሕፈት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣባላት እቲ መርማሪ ቦርድ ናይ መስክ ትዕዝብቶም እንትዛዝሙ ኣብ ከተማ ባህርዳር ሆስፒታል እዚ ምዕራብ ተረኺቦም ብዝተገበረ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ቆሲሎም ሓገዝ ሕክምና እናተገበረሎም ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ተዓዚቦም።

ብዝተገበረሎም ቅልጡፍ ግልጋሎት ሕክምናን ግቡእ ክንክንን መብዛሕተኦም ተሓከምቲ እናደሓኑ ከምዝኾኑ እቶም ኣባላት ሰራዊት ዝገለፁ እንትኾኑ፥ እቶም ኣባላት ቦርድ ብኣካል ተረኺቦም ስለዘበረታትዑዎም ኣድናቖቶም ገሊፆም።

ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ኣምሓራ ዶክተር መልካሙ ኣብቴን ሓላፊ ሎጂስቲክስ ሆስፒታል እዚ ምዕራብ ኮሎኔል ሰብለ ሙሉጌታን ኣባላት እቲ መርማሪ ቦርድ ኣብቲ ሆስፒታል ተረኺቦም ስለዝተዓዘቡዎም ኣመስጊኖም።

እቲ ሓደጋ ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ ትልሚ ብምሕንፃፅ ካብ ክልል ክሳብ ወረዳ ኮሚቴ ውሃቢ ምላሽ ብምጥያሽ ስሩዕ ግልጋሎት ጥዕና እንተይተኣጓጎለ ዕዉት ስራሕ ከምዝተሰርሐ ኣብሪሆም።

ኣባላት እቲ መርማሪ ቦርድ ብግደኦም፥ እቶም ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ዝገበሩዎ ተጋድሎ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ናብ ዓወት ከምዘብቀዐ ከምኡ እውን ሓለፍቲ ስራሕ ቢሮ ጥዕናን ሰብ ሞያታትን እቲ ክልል ብልዑል ፍቕሪ ሃገር ስለዘገልገሉ ምስጋና ኣቕሪቦምሎም።

እቲ መርማሪ ቦርድ፥ ሙሉእ ፀብፃብ ቀዳማይ ዙር ምልከታ መስክ ኣብ ቀረባ እዋን ዕላዊ ክገብር ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.