Fana: At a Speed of Life!

መበል ሻድሻይ ሃገራዊ መርሃ ግብሪ ኢንተርፕራይዛት ደኣንት ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል ሻድሻይ ሃገራዊ መርሃ ግብሪ ኢንተርፕራይዛት ትካላት ደቀቕቲን ኣናእሽቱን(ደኣንት) ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ መኮነን ይሳተፉ ኣለዉ።

ኣብ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል ዝሓሸ ስራሕ ዝሰርሑ ትካላትን ሰብ ሞያን፣ ዝሓሹ ኢንተርፕራይዛት፣ ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ኣቕርቦት ፋይናነስ ዝነበሮም ኣናእሽቱ ትካላት፣ ናብ ማእኸላይ በርኪ ኢንዱስትሪ ዝተሸጋገሩ ኢንተርፕራይዛትን ትካላት ቴክኒክን ሙያን ኣፍልጦ ተዋሂቡዎም።

ብመሰረት እዚ 80 ኢንተርፕራይዛት፣ 3 ትካላት ቴክኒክን ሙያን፣ ሰለስተ ደገፍ ፋይናንስ ዝገበሩ ትካላት ኣፍልጦ ተዋሂቡዎም ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ን1 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዜጋታት ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ዝተትሓዘ ትልሚ ክሳብ ሐዚ ን1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዜጋታት ዕድል ስራሕ ምፍጣር ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ።

ብምስክር ስናፍቅ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.