Fana: At a Speed of Life!

መበል 11 ጉባኤ ኮሚሽነራት ፖሊስ ፌዴራልን ክልላትን ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 11 ጉባኤ ኮሚሽነራት ፖሊስ ፌዴራልን ክልላትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ ጉባኤ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል እንዳሻው ጣሰው፣ ምክትል ኮሚሽነራት ፖሊስ ፌዴራልን ኮሚሽነራት ምክትል ኮሚሽነራትን ፖሊስ ዓሰርቲኣን ክልላት እናተሳተፉ ይርከቡ።

ኮሚሽነር እንደሻው ጣሰው፥ ኢትዮጵያ ኣብ ጎደና ለውጢ ከምትርከብ ኣብቲ ጉባኤ ገሊፆምም።

እቲ ለውጢ ስዒቡ ድማ ንሃገርን ህዝቢን ዝረብሁ ጭቡጣት ውፅኢታት ከምዝተርኣዩ እውን ኣብሪሆም።

ብኽሊእ መዳይ ድማ ናይ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ሓይሊታት ብሕብረትን ብተናፀልን በቢእዋኑ ኣጀንዳ እናቐያየሩ ሰላምን ልምዓትን ሃገር ንምትዕንቓፍ ፃዕሪ እናገበሩ ይርከቡ ኢሎም።

እዚ ፃዕሮም ንምፍሻል ድማ ሓይሊታት ፀፅታ ውሽጣዊ ሓድነቶም ብምጉልባት ሰላምን ፀፅታን ሃገሮም እናሓለዉ ከምዝርከቡ እቶም ኮሚሽነር ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ለውጢ መሰረት ብምግባር ብብርኪ ኢትዮጵያን ዓለምን ዘሎ ኩነታት ፀፅታ ኣብ ግምት ዘእተወ ከምኡ እውን ኣብ ግልጋሎት ህዝቢን መንግስቲን ዝተመኮዘ ፖሊስ ንምህናፅ ሪፎርም እናተገበረ ምዃኑ እውን ኣፍሊጦም።

ኣብቲ ጉባኤ፥ ፀብፃብ ኩነታት ፀፅታ ኩለን ክልላት ቀሪቡ ዘተ ዝግበረሉ እንትኸውን ሎሚ መዓልቲ ሓዊሱ ንኽልተ መዓልቲ ዝፀንሕ ኢዩ ተባሂሉ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.