Fana: At a Speed of Life!

መበል 13 ጉባኤ ኮሚሽነራት ፖሊስ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)መበል 13 ጉባኤ ኮሚሽነራት ፖሊስ ፌዴራል፣ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ኣብ ከተማ ጂግጂጋ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ጉባኤ፥ ኣብ 6ይ ሃገራዊ መረፃን ካልኣይ ዙር ምምላእ ግድብ ህዳሰን ብምድሃብ ብስፍሓት ክዝቲ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ኣብ መርሃ ግብሪ መጀመሪ እቲ ጉባኤ ዝተረኸቡ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ፥ ህይወትን ድሕንነትን ዜጋታት ተሓሊዩ ኣብ ዝመረፁዎ ከባቢ ተዘዋዊሮም ሃፍቲን ንብረትን ምፍራይ ንኽእኽእሉ ሳላምን ፀፅታን ምርግጋፅ እንትከኣል ከምዝኾነ፤ እዚ ንምትግባር ድማ ብቑዕ ትካል ፖሊስ ምህናፅ ከምዘድሊ ገሊፆም፡፡

ኮሚሽነር ጀነራል ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ደመላሽ ገብረሚካኤል ብግደኦም፥ ንዘበናት ብብቕዓት ፖሊሳዊ ግቡእን ሓላፍነቱ ክዋፃእ ዝኽእል ሰራዊት ፖሊስን ትካልን ንምህናፅ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ብዝበለፀ መልክዑ ስራሕቲ ሪፎርም እናሳለጠ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ኩሎም ኮሚሽነራት ፖሊስን በቢብርኩ ዝርከቡ ኣመራርሓታትን ኣብቲ ጉባኤ ተሳተፍቲ እንትኾኑ፥ ሎሚ መዓልቲን ፅባሕን ከምዝሳለጥ ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ድሬሰዳዋ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.