Fana: At a Speed of Life!

መበል 14 ሰሙነ ክታበት ኣፍሪካ ኣብ ክልል ትግራይ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 14 ሰሙነ ክታበት ኣፍሪካ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ይኽበር ኣሎ፡፡
ሚኒስቴር ጥዕና ሞትን ሕማማትን ኣዴታትን ዕሸላትን ንምንካይ ምስ ክልላትን ዝምልከቶም ኣካላትን ብምትሕብባር ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ፡፡
ካብ መንጎ እዚኣቶም ድማ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ክታበት ሓደ እንትኸውን÷ በቢዓመቱ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝኽበር ሰሙነ ክታበት ኣፍሪካ ኣብዚ ዓመት እውን “ትኹረት ዝኾነ ዓይነት ክታበት ዝጀመሩን ጀሚሮም ዘቛረፁን ህፃናት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ እናተኸበረ ይርከብ፡፡
ላዕለዎት ኣመራርሓ ሚኒስቴር ጥዕና፣ ሓለፍቲ ስራሕ ኤጀንስታት፣ ሆስቲታላትን ተፀዋዕቲ ትካላትን፤ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም፡፡
ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም መደረ እንኻዕ ዳሕን መፃእኹም ዘስምዑ ሓላፊ ቤሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ/ር ኣማኤል ሃይለ÷ ንህፃናት ይኹን ንዓበይቲ ዝወሃቡ ዓይነታት ክታበት ከምዘለው ብምሕባር፤ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ብዝነበረ ኲናት ስዒቡ ግን ተዘሓሒሉ ከምዝፀንሐ ገሊፆም፡፡
ሕዚ ብዝተፈጠረ ሰላም ድማ ምስ መንግስቲ ፌደራልን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ብምዃን እኹል ዝኾነ ኣወሃህባ ክታበት ንመሃብ ዝተፈላለዩ ፃዕሪታት እናተገበሩ ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡
ሚስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጥዕና ዶ/ር ደረጀ ድጉማ ብግድኦም÷ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ብተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ፀገማት ልዕሊ 1 ሚኒየን ህፃናት ክታበት ከምዘይረኸቡ ገሊፆም፡፡
እቶም ክታበት ዘይረኸቡ ህፃናት ብበዝሒ ኣብ ክልል ትግራይ ስለዝርከቡ እዚ መድረኽ ኣብ ትግራይ ክዳሎ ከምዝተገበረ እውን ገሊፆም፡፡
ንኩሎም ክታበት ዘይረኹቡ ህፃናት ተበፃሒ ንምግባር ኣብ ስራሕ ከምዝርከብ እውን ሓቢሮም፡፡

ብክንዳሓፍቲ ሃይለስላሴ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.