Fana: At a Speed of Life!

መበል 1495 ብዓል ልደት ነብዩ መሓመድ(መውሊድ) ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መበል 1495 ብዓል ልደት ነብዩ መሓመድ(መውሊድ) ኣብ መላእ ሃገር ሎሚ መዓልቲ ይኽበር ኣሎ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስጊድ ኣንዋር ኣብ ዝኽበር ዘሎ መበል 1495 ብዓል ልደት ነብዩ መሓመድ(መውሊድ)፥ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት አስልምና ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጅ ዑመር እድሪስን ምክትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤን ሓዊሱ ካልኦት ፃውዒት ዝተገበረሎም ሓለፍቲ ስራሕን ተኸተልቲ እቲ እምነትን ተረኺቦም።

ምክትል ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፥ ንመላእ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።

ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናይ ምክእኣል ሃይማኖት፣ ናይ ሓድነትን ሓቢርካ ናይ ምንባርን ተምሳሌት ንክትከውን ህዝበ ሙስሊም ንዝገበሮ ተግባር አመስጊነን።

ተኸተልቲ እቲ እምነትን መራሕቲ ሃይማኖትን ብስም ሃይማኖት ከጋጥሙ ንዝኽእሉ ኣጀንዳታት ጎንፂ ብምኽሻፍ፣ ብምውጋዝን ሰላም ብምሕላውን  ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝገበሩ እውን ገሊፀን።

ኣብ እዋን ክረምቲ ብቫይረስ ኮሮና ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ዝተገበረ ሓገዝ ገንዘብን ካልኦት እወንታዊ ተግባራትን ድማ አመስጊነን።

ብናይ ባዕልትና ሃፍቲ ብምጥቃም ሉእላውነትና ንምሕላው ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ብሓባር ደው ክንብል ይግባእ እወን ኢለን።

ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጅ ዑመር እድሪስ ብግደአም፥ ወዲ ሰብ መዓልቲ ሓጎሱ በዝተፈላለዩ መልክዓት የኽብር፤ ነሕና እውን ነብዩ መሓመድ ዝተወለድሉ ዕለት ኢና ሎሚ መዓልቲ እነኽብር ዘለና ኢሎም።

ነብዩ መሓመድ ኣብ መሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ኣብ መላእ ዓለም ንብዙሓት ረኺቦም ኢዮም ዝበሉ እንትኾኑ፥ ንነዊሕ አውን ኣብ ኲናት ዝነበሩ ኣካላት ክናት ደው ንከብሉ ገይሮም ኢዮም ክብሉ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ሓድነት ንክነጠናኽር ምኽሪ ዝሃቡን ንሰላም ዝሰበኹን ኢዮም ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.