Fana: At a Speed of Life!

መበል 18 ጉባኤ ዲጂታል ኢኖቬሽን ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 18 ጉባኤ ዲጂታል ኢኖቬሽን ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ጉባኤ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ረዳት ፕሮፌሰር በለጠ ሞላ ሓዊሱ፥ ካብ ሃገራት ኣፍሪካ ዝተውፃእፅኡ ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ዓውዲ፣ ሓለፍቲ ትካላት ቴክኖሎጂ፣ ተወከልቲ ኤምባሲታትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ረዳት ፕሮፌሰር በለጠ ሞላ፥ ኢትዮጵያ ዲጂታል ኢኮኖሚ ንምህናፅ ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ምምሕያሻት ከምዝገበረት ተዛሪቦም።

ዓውዲ ቴክኖሎጂ ብኽፋል ናብ ውልቀ ንምዝዋር፣ ኣገልግሎት ኤሌክትሮኒክስ መንግስቲ ምዝርጋሕ፣ ጀማሪ ትካላት ቴክኖሎጂን ማእኸላት ዕዳጋ ቴክኖሎጂን ምቕራፅ፣ ኢ-ኮሜርስ፣ ክፍሊት ዲጂታል፣ ኣፍልጦ ዲጂታል ስራሕቲ የስርሑ ከምዘለዉ ኣብሪሆም።

ዝፀደቐ ኣዋጅ ኢ-ትራንዛክሽን፣ ኣብቲ ረቂቕ ዘለዉ ኣዋጅ ሓለዋ ዴታ ውልቀ፣ ኣዋጅ ስታርት አፕ፣ ኣዋጅ ኢኖቬሽን ፈንድ፣ ፖሊሲ ሳይንስ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ክለሳ ኣብቲ ዓውዲ ምቹው ኩነታት ንምፍጣር ዓብዪ ዓቕሚ ክፈጥሩ ኢዮም ተባሂሉ ከምዝእመን እቶም ሚኒስትር ተዛሪቦም።

ዋና ዳይሬክተር ኣብ ዓውዲ ኣይሲቲን ቴሌኮምን ዘማኽር ኤክስቴንሽያ ሊሚትድ ታሪቅ ማሊክ÷ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንምዕዋት ኣብ ምምሕያሽ ዓውዲ ኣይሲቲ ሃገራት ኣፍሪካ ብትኹረት ምስራሕ ከምዘድሊ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.