Fana: At a Speed of Life!

መበል 23 ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) መበል 23 ውድድር ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ተኻይዱ፡፡

ኣብ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ውድድር፥ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴን ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤን ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓታት ተረኺቦም፡፡

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤን ኣብቲ እዋን ከም ዝበለኦ÷ ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ድምቀት፣ መግለፂ ሓድነትን ፍቕሪን እታ ከተማ ኢዩ፡፡

ዓብዪ ጉያ ፅቡቕ ምስሊን ሕብረትን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ምህናፅ ረገድ ዕዙዝ ኣስተዋፅዖ እናብርካ ከምዝርከብ እውን ኣብሪሀን፡፡

ኣብቲ ውድድር፥ ዲፕሎማሰኛታት፣ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመፅኡ ናይ ክብሪ ኣጋይሽን ብዙሓት ኢትዮጵያውያንን ተሳተፎም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.