Fana: At a Speed of Life!

መንእሰይ ትግራይ እቲ ዝተጀመረ ሰላም ክፀንዕ ኣብ ምግባር ዘይትካእ ግደ ኣለዎ – ኣይ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንእሰይ ትግራይ እቲ ዝተጀመረ ሰላም ናብ ኩሉ ክባፃሕን ክዓሙቕን ኣብ ምግባር ዘይትካእ ግደ ኣለዎ” ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

ግደ መንእሰይ ትግራይ ኣብ ዙርያ መለሽ ህንፀትን ምውሓስ ሰላምን ትግራይ ዝጠመተ ክልላዊ ናይ መናእሰይ መድረኽ ተሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ÷ መንእሰይ ትግራይ እቲ ዝተጀመረ ሰላም ናብ ኩሉ ክባፃሕን ክዓሙቕን ኣብ ምግባር ዘይትካእ ግደ ከምዘለዎም ሓቢሮም።

መፃኢት ትግራይ ናይ መናእሰይ ምዃና ዝሓበሩ ኣይተ ጌታቸው÷ “ትንሳኤ ትግራይ ንምርግጋፅ መናእሰይ ውዳበኦምን ዙርያ መለሽ ብቕዓቶም ከዕብዩ ፀዊዖም” ኢሎም።

መንእሰይ ትግራይ ኣብ ቁጠባዊ ጉዳያት ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ታሪካዊ ግበኦም ክፍፅሙ እውን ኣተሓሳስቦም።

ፍልፍል፦ ቤት ፅሕፈት ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.