Fana: At a Speed of Life!

መንእሰይ ወለዶ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ክስልጥን ምግባር ንኩለመዳይ ምዕባለ ሃገር ዕዙዝ ግደ ኣለዎ – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)”መብዛሕትኡ ክፋል ህብረተሰብ መንእሰይ ኣብዝኾነላ ሃገር መንእሰይ ወለዶ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ክስልጥን ምግባር ንኩለመዳይ ምዕባለ ሃገር ዕዙዝ ግደ ኣለዎ” ክብላ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ተዛሪበን።

ፕሬዚዳንት ሳህለ ወርቅ ዘውዴ ምስ መስራቲትን ዋና ፈፃሚት ስራሕን “ኣይ ኮግ ኤ ሲ ሲ” ቤተልሄም ደሴ ተዛቲየን፡፡

እቲ ትካል ኣብ ሰገናት ብፍላይ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ትኹረት ዝገበሩ ስራሕቲ ትምህርቲ ቴክኖሎጂ ከምኡ እውን ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ሚኒስቴር ትምህርቲን ሁዋዌ ቴክኖሎጂስን ብዛዕባ ዘመረቑዎ ዲጂ ትራክ ኢትዮጵያ ዝተብሃለ ፕሮጀክት ኣድሂበን ተመያይጠን፡፡

ፕሮጀክት ”ኣይ ኮግ ኤ ሲ ሲ” ዝኾነ ዲጂትራክ ኢትዮጵያ÷ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንዝርከቡ ሰገናት ማዕረ ዝኾነ ዕድል ተዋሂቡዎም÷ ስልጠና ክእለት  ኮድዲንግ፣ ሮቦቲክስን ካልኦት ሓደሽቲ ዲጂታል ክእለታትን ንኽረኽቡ ምስራሕ ቀንዲ ትኹረቱ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ፕሬዚዳንት ሳህለ ወርቅ “ኣይ ኮግ ኤ ሲ ሲ”ን ዲጂትራክ ኢትዮጵያን ዕዉት እንትኸውን ንምርኣይ ተስፋ ክዘለወን ምሕባረን ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ዝረኸብናዮ ሐበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.