Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ኣብ ምርግጋዕ ዋጋ ነዳዲ 124 ቢሊየን ብር ኪሳራ ከምዘጋጠሞ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ዋጋ ነዳዲ ንምርግጋዕ ኣብ ዝተገበረ ፃዕሪ ኣብዚ ሐዚ እዋን 124 ቢሊየን ብር ኪሳራ ከምዘጋጠሞ ኣፍሊጡ።

ሚኒስቴር ንግዲን ቀጠናዊ ምትእስሳርን ትግበራ ሪፎርም ዕዳጋ ነዳዲ መፋለጢ መድረኽ ኣብ ከተማ ሃዋሳ የሳልጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ሚኒስትር ሚኒስቴር ንግዲን ቀጠናዊ ምትእስሳርን ኣይተ ገብረመስቀል ጫላ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ እርስቱ ይርዳ ን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ክልልን ፌዴራልን ተረኺቦም።

ኣይተ ገብረመስቀል ጫላ፥ እቲ ሪፎርም ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉ መሓንቓት ብዘላቕነት ንምፍታሕ ዘኽእል ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ እቲ ስርዓት ምዝማን እዚ እዋን ዝሓቶ ዛዕባ ከምዝኾነ ተዛሪቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.