Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ኣብ ትግራይ ንሓረስቶት እታወታት ሕርሻ እናቕረበ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ  ሓረስቶት ኣብ ስራሕቲ ሕርሻ ተዋፊሩ ንኸፍሪ መንግስቲ ኣድላዪ ዘበለ እታወት ሕርሻ እናቕረበ ከምዝኾነ ቢሮ ሕርሻ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ግዚያዊ ምምሕዳ ትግራይ ኣይተ ብርሃነ ኣርኣያ ከምዝገለፁዎ፥ ዝተፈፀረ ፀገም ንሓረስቶት ጎዲኡ ኢዩ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ሓረስቶት ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ዘለዉዎ ተሓጋዛይነት ንኽናገፉን ርእሶም ንኽኽእሉን ኣብ ስራሕቲ ሕርሻ ምትኳ ከምዘለዎ ብምግላፅ፥ ኣብ ሓረስቶት ተበግሶ ከምዘሎን እታወታት ንኽቐርቡ እናሓተቱ ከምዝኾኑን ገሊፆም።

እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ሓረስቶት ሕፅረት ምሩፅ ዘርኢ ከየጋጥሞም እናሰርሐ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 66 ሺሕ ኩንታል ዝተፈላለየ ዓሌታት ምሩፅ ዘርኢ ምትእኽኻብ ከምዝተኽኣለ ዝገለፁ እቶም ምክትል ሓላፊ፥ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ልዕሊ 10 ሺሕ ምሩፅ ዘርኢ ናብ ሓረስቶት ከምዝተኸፋፈለ ኣብሪሆም።

ኣብ ሓፂር እዋን ኣብ 61 ወረዳታት ንዝርከቡ ሓረስቶት ምሩፅ ዘርኢ ከምዝበፅሕ እውን ገሊፆም።

ቀረብ ዘበናዊ ዱኽዒ ብዝምልከት ድማ ንሓረስቶት ትግራይ 800 ሺሕ ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ ተዓዲጉ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ከምዝበፅ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ትግራይ ኣብዚ ዓመት 1 ነጥቢ 3 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብዝራእቲ ንምሽፋን ትልሚ ከምዝተትሓዘ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.