Fana: At a Speed of Life!

መከላኸሊ መገዲታት ኣለርጂ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣለርጂ ብምኽንያት ምግቢታት፣ ቅንጥብታብ ደሮና፣ ኩነታት ኣየርን ካልኦት ምኽንያታትን ክመፅእ ይኽእል፡፡

ንጥረ ነገር ወይእውን ንሰብነተ ዘይስማዕምዑ ነገራት ኣብ ምክልኻል ስርዓት ሕማም ዝወሃብ ምላሽ ኣብ ሰብነት ኣርጂ ክፈጠር ይኽእል፡፡

በዚ ምኽንያት ድማ ምሕባጥ፣ ህንጥሸይ ምባል ከምኡ እውን ካልኦት ዝተፈላለዩ ምልክታት ዘርኢ እንትኸውን፥ ከከምውልቀሰቡ ዓይነትን ኩነታትን ምላሽ ኣለርጂ ዝተፈላለየ ክኸውን ከምዝኽእል እውን ይግለፅ፡፡

ኣለርጂ ብኸመይ ይሕከም?

ኣለርጂን ሙሉእ ብሙሉእ ምጥፋእ ከምዘይኽእል ይንገር፤ ምክልኻል ግን ይከኣል ኢዩ፤ ብብዙሓት ሰብ ሞያ ሕክምና ዝምከር፤ ኣለርጂ ካብ ዘስዕቡ ነገራት ምርሓቕ ንፅባሕ ዘይበሃል መፍትሒ ኢዩ፡፡

ይኹን እምበር እዚ ኣማራፂ ክወስዱ ኣብ ዘይኽእሉሉ ኩነታት እንድሕር ኮይኖም÷ ኣማራፂታት ሕክምና ምርይ ኣድላዪ ኢዩ፡፡

እዚ ድማ ምስ ሰብ ሞያ ሕክምና ብምዝርራብ ኣማራፂ መድሓኒት ምጥቃም ይከኣል፡፡

ሰብ ሞያ ሕክምና እንተየማኸሩ መድሐኒት ምውሳድ ግን ኣይምከርን፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ምስ ሓኪሞም ብምዝርራብ ኣብ ውሽጢ ገዛ ክሕከሙ ዝኽእሉሉ መገዲ ካሊእ ኣማራፂ ኢዩ፡፡

እቲ ናይ ገዛ ሕክምና ቅድሚ ምግባሮም ኣብ ገዝኦም ዘሰናድኡዎ ንጥረ ነገር ንኻሊእ ኣለርጂ ከቓልዖም ከምዘይኽእል ምርግጋፅ የድሊ፡፡

ብዙሓት ሰበት ኣለርጂ÷ ሰዓል ምስ ዝመስል ምህንጣሽ፣ ፀገም ቆርበትን ካልኦት ዝኸፍአ ጉድኣት ዘስዕቡ ጉድኣታትን የሃልዉ እምበር፥ ንሓደ ሓደ ሰባት ንህይወት ኣስጋኢ ክኸውን ይኽእል ኢዩ፡፡

ከም ኣብነት እውን ምሕባጥ ኣፍን መልሓስን፣ ምውሳኽ ውቅዒት ልቢ፣ ፀገም ምትንፋስን ካልኦት ዓበይቲ ጉድኣታት ከስዕብ ይኽእል፡፡

ብምዃኑ እቲ ኣርጂ ልዕል ዝበሉ ጉድኣታት ዘስዕበሎም እንተኾይኑ ኩሉ ግዘ ጥንቃቐ ክፍለዮም ኣይግባእን፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ሜላታት ሃንደበታዊ ሕክምና ምስ ሓኪሞም ክዛተዩ ክዝግባእ ሄልዝላይን ይምዕድ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.