Fana: At a Speed of Life!

መዓልታዊ ኣብ ኢንተርነት እንዝርግሖ ስእልን ቪድዮን ኣበይ ይኽዘን?

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መዓልቲ ክንደይ ግዜ ተሌፎንካ ትጥምት?

ኣብዚ ዓመት ዝተገብረ ሓደ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ሓደ ሰብ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ መዓልቲ 58 ግዜ ተሌፎኑ ይርኢ፤ ካብዚ 58 እቲ 30 ኣብ ቦታ ስራሕ እዩ።

እቲ መጽናዕቲ ኣብ 47 ሃገራት ዝተኻየደ ኰይኑ፡ ሰባት መዓልታዊ ብገምጋም ሰለስተ ሰዓትን 15 ደቒቕን ኣብ ቴለፎኖም ከምዘሕልፉ ይሕብር።

እቲ ዝበዝሕ ኣብ ቴለፎንና ነሕልፎ ሰዓታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሃሰው ምባል፡ ስእልን ቪድዮን ምልዓልን እዩ።

ካልእ ተመሳሳሊ መጽናዕቲ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካልኢት 45 ሽሕ ስእልታት፡ ኣብ ሰዓት 196 ሚልዮን ስእልታት፡ መዓልታዊ ድማ 4.7 ቢልዮን ስእልታት ከም ዝለዓል የመልክት።

እዚ ኵሉ ስእልታት ኣብቲ ዘይድህሰስ መዕቈር [Cloud – ክላውድ] ተዓቂቡ ይርከብ።

እዚ ክላውድ ስእልታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝዀነ ኣብ ተሌፎናትና እንቐድሖ ሓበሬታ’ውን እዩ ዝዕቅብ።

እዚ ኣብ 1960ታት ከም ዝተማህዘ ዝፍለጥ ክላውድ፡ ብቐንዱ ብኣፕል (ኣይ-ክላውድ)፡ ኣማዞን (ኣማዞን ዌብ)፡ ድሮፕቦክስን ጉግልን ዝቐርብ እዩ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.