Fana: At a Speed of Life!

መድረኽ ርክብን ኮንፈረንስ ሰላምን ኣብ ክልል ዓፋር ይካየት ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ዓፋር ዞባ ሓሙሽተ ወረዳ ሰሙ ሮቢን ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋ ወረዳ ቀወትን መድረኽ ርክብን ኮንፈረንስ ሰላምን ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ኮማሜ ይካየት ኣሎ።

ኣብ መንጎ ክልቲኦም ህዝቢታት ኣፈላላይ ዕለታዊ ጎንፂታት ይራኣዩ ከምዝነበሩ  ተሓብሩ።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብሓባር ኮይኖም ዝተቓለሱ ህዝብታት ኣምሓራን ዓፋርን፤ “ኣብ መቓብር ፀላእትና ሓድነትና ጠንኪሩ እዩ” ክብሉ ተወከልቲ ክልቲኡ ህዝቢ ገሊፆም።

“እዚ ከም ሓፂን ዝጠንከረ ርክብና ንክቅፅል ኣብ ልዕሊ እቲ ግብረ ራዕዲ ዝተረኸበ ዓወት ብሓባር ንምኽባር ተዳሊና” ክብሉ እውን ኣተሓሳሲቦም።

እቲ መርሃ ግብሪ እንትጅመር÷ ብፆሎት ኣቦታት ሃይማኖት ተኸፊቱ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣመራርሓታት ዞባን ወረዳን ክልቲኦም ክልላት፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ተወከልቲ ህዝቢ፣ መናእሰይን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ተሳቲፎም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.