Fana: At a Speed of Life!

መድረኽ ዘተ ጎረባብቲ ክልላት ሰሜንን ምዕራብን ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ባህርዳር ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መድረኽ ዘተ ጎረባብቲ ክልላት ሰሜንን ምዕራብን ኢትዮጵያ ፅባሕ ኣብ ከተማ ባህርዳር ክካየድ ኢዩ።

እቲ መድረኽ ዘተ፥ “ፅቡቕ ጉርብትና ንምዕባለ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብኣሰናዳእነት ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ፌዴሪኢ ኢዩ ክካየድ፡፡

ዝፍጠሩ ዘይምርድዳኣት ጥንኩር ርክብ ህዝቢ ንህዝቢን መንግስታትን ብምፍጣር፣ ብመሰረተ ልምዓት ብምትእስሳርን ፀገማት ብሰላማዊን ብዝሰልጠነ ዴሞክራሲያዊ መገዲን ምፍታሕ ከምዘድሊ እቲ ፌዴሬሽን ኣገንዚቡ፡፡

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ብሕገ-መንግስቲ ብመሰረት ዝተውሃቦ ስልጣንን ተግባርን ኣብ ሞንጎ ክልላት ዝተመጣጠነ ልምዓት ንኽህሉ፣ ጥንኩር ርክብ መንግስታት ንኽፍጠር፣ ዝለዓሉ ዘይምስምዕማዓትን ጎንፂታትን ሜላታት መከላኸሊ ብምፅናዕ ስርዓት ኣሰራርሓ ምዝርጋሕ ከምኡ እውን እቲ ሜላ ትካላዊ ኣወዳድባ ክህልዎ ናይ ምግባር ስልጣንን ሓላፍነት ዘለዎ ምዃኑ እውን ኣዘኻኺሩ፡፡

ብመሰረት እዚ መድረኽ ዘተ ጎረባብቲ ክልላት ሰሜንን ምዕራብን ኢትዮጵያ ላዕለዎት ኣመራርሓታትን መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ከተማ ባህርዳር ከምዝካየድ ኣፍሊጡ፡፡

ኣፈ ጉባኤ እቲ ቤት ምኅሪ ኣይተ ኣደም ፋራሕ፥ ፎረም ምትሕብባር ምጥያሽ ኣድላዪ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.