Fana: At a Speed of Life!

መድረኽ ገምጋም ኣፈፃፅማ መንፈቕ ዓመት ሓራዊ ኮሚቴ ሚኒስትራት ኢትዮ-ጅቡቲ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 16 መድረኽ ገምጋም ኣፈፃፅማ መንፈቕ ዓመት ሓራዊ ኮሚቴ ሚኒስትራት ኢትዮ-ጅቡቲ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ሎጂስቲክስን ትራንስፖርትን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)፣ ኣምባሰደር ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ብርሃኑ ፀጋዬ፣ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጅቡቲ ማህሙድ ኣሊ ዩሱፍን ሚኒስትር መሰረተ ልምዓት ጅቡቲ ሓሰን ሁማድን ተረኺቦም።

ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)÷ እቲ መድረኽ ኣብ መበል 16 ኣኼባ ሓበራዊ ኮሚቴ ስምምዕነት ዝተገበረሎም ጉዳያት ከምኡ እውን ድሕሪ እቲ ስምምዕነት ኣብ ዘጋጠሙ ጉዳያት ብምዝታይ መፍትሒ ንምቕማጥ ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እቲ ኣኼባ ኣብ ማዕቐፋት ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት፣ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባትን ኣብ ጠረፍ ዝግበር ንግዲን ዙሪያ ብምዝታይ ውሳነ ከሕልፍ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ተሓቢሩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ምጉታት ህንፀት መገዲ ዲኪል ጋላፊን ኣብ መሰል ወሰንቲ ነጥቢታትን ብምዝታይ ውሳነ ከምዘሕልፍ እቲ ኤምባሲ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዝለኣኾ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.