Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብቶጎ ሎሜ ኣቢሉ ናብ ዋሽንግተን ዲሲ በረራ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ በቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብቶጎ ሎሜ ኣቢሉ ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ሓዱሽ በረራ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ።

እቲ መገዲ ኣየር ቅድመ ሐዚ ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ንምብራር ብኣየርላንድ ደብሊን ኣቢሉ በረራ ይገብር ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር ኣይተ መስፍን ጣሰው፥ እቲ ሓዱሽ በረራ ኣፍሪካ ምስ ኣሜሪካ ንምርኻብ ዝሕገዝ ኢዩ ኢሎም።

እቲ በረራ ብቦይንግ 787 ከምዝግበር እውን ተሓቢሩ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 116 ዓለም ለኸን 23 ውሽጢ ዓዲን በረራታት ከምዝገብር መረዳታታት ይሕብሩ።

ብኣለምሰገድ ኣሳዬ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.