Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሰለስተ ከተማታት ቻይና ሓዱሽ በረራ ክጅም ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 04 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሰለስተ ከተማታት ቻይና ሓዱሽ በረራ ክጅም ኢዩ።

እቲ ሓዱሽ በረራ፥ ናብ ከተማታት ቾንግቂንግ፣ ሼንዠንን ዠንግዡን ከምዝጅምር በዓል ሞያ ኮሙዩኒኬሽን እቲ መገዲ ኣየር ኣይተ ዳዊት ተመስገን ንሺንዋ ተዛሪቦም።

እቲ መገዲ ኣየር በረራ ንምጅማር ፍቓድ ምሕታቱ ዝገለፁ ኣይተ ዳዊት፥ ፍቓድ ምስ ረኸበ በረርኡ ክጅምር ኢዩ ኢሎም።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ከም ጉዋንዡ ዝበላ ከተማታታት ዝገብሮ በረራ ኣብ መዓለልቲ ክልተ ግዘ ብምግባር ኣብ ቻይና ዝወሃብ ግልጋሎት ናይ ምስፋሕ ትልሚ ከምዘለዎ እውን ተዛሪቦም።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ከተማታት ጉዋንዡን ቤጂንግን መዓልታዊ ከምኡ እውን ናብ ከተማ ቼንግዱ ኣብ ሰሙን ሰለስተ መዓልቲ በረራ እናገበረ ይርከብ።

ፍልፍል፦ ሺንዋ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.