Fana: At a Speed of Life!

መጠን ፍርያት ሲሚንቶ እናወሰኸ ከምዝመፅ ኢንጅነር ታከለ ኡማ ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፍርያት ሲሚኒቶ ንምዕባይ መንግስቲ ኣብቲ ዓውዲ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ምምሕያሽ መጠብ ፍርያት እናወሰኸ ከምዝመፀአ ሚኒስቴር መዓድን ኢንጂነር ታከለ ኡማ ኣፍሊጦም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ፋብሪካታት ስሚንቶ ሙገረን ዳንጎተን ተረኺቦም ከይዲ ምፍራይ እቲ ፋብሪካ ተዓዚቦም።

ፍርያት ሲሚኒቶ ንምሳኽ እናተሰርሐ ኣብ ዝርከብ ስራሕቲ ምምሕያሽ እውን ኩሎም ፋብሪካታት ኣብ መዓልቲ ዝነበሮም መጠን ምፍራይ እናወሰኸ ከምዝርከብ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ፅሒፎም።

ብፍላይ ኣፍረይቲ ሲሚንቶ ንእታወት ዝጥቀሙዎም ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ከም እምኒ ፈሓም ዝበሉ ፍርያታት መዓድን ሙሉእ ብሙሉእ ብፍርያት ወሽጢ ዓዲ ንምትካእ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብኣዲስ ሙሉነህ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.