Fana: At a Speed of Life!

ሙሁራት ዩኒቨርሲቲ፣ ኣባላት ቤት ምኽሪ ፕሮፌሰራት ኢትዮጵያን ተወከልቲ ፓርቲታት ፖለቲካን ኣብ ጉዳይ መረፃ ኣድሂቦም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)6ይ ካገራዊ መረፃ ኣመልኪቱ ፅሬትን ግቡእን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብዝብል ምስ ሙሁራት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፣ ኣባላት ቤት ምኽሪ ፕሮፌሰራት ኢትዮጵያን ተወከልቲ ፓርቲታት ፖለቲካን ዘተ ተኻይዱ።

እቲ መድረኽ ዘተ ብኣሰናዳእነት ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዩኒቨርሲቲ ባህርዳርን ኢዩ ተሳሊጡ፡፡

ሚኒስትር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ፕሮፌሰር አፈወርቅ ካሡ፣ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ፋንታ ማንደፍሮ፣ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ዶክተር ፍሬው ተገኝ፣ ካብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲቲታት ዝተውፃእፅኡ ሙሁራንን ተወከልቲ 15 ፓርቲታት ፖለቲካን ተረኸቦም፡፡

ፕሮፌሰር አፈወርቅ ካሱ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ፓርቲታት ፖለቲካ ዘለዎም ኣማራፂ ሓሳብ ኣብ ፅሬትን ግቡእን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ምቕራቦም ተሳጋሪ ዝኾነ ፖሊሲ ንምሕንፃፅ ዝሕግዝ ኢዩ።

ሙሁራን እውን ዝግበኦም ግደ ክፃወቱን ኣሰሮም ከንብሩን ከምዝግባእን ኣገንዚቦም።

ኣብ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ዝሳተፉ ሸውዓተ ፓርቲታት ፖለቲካ፥ ኣብ ፅሬትን ግቡእን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዘለዎም መከራኸሪ ነጥቢ ኣብቲ መድረኽ ኣቕሪቦም።

ብሰላማዊት ተስፋዬ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.