Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ተወሳኺ 25 ጊጋ ዋት ሓይሊ ንምፍልፋል ፎርቲስኪው ምስ ዝተብሃለ ዓለም ለኸ ትካል ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስቴር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን 25 ጊጋ ዋት ተወሳኺ ሓይሊ ንምፍልፋል ፎርቲስኪው ምስ ዝተብሃለ ዓለም ለኸ ትካል ተዛቲዩ።

እቲ ትካል 15 ጊጋ ዋት ካብ ፍልፍል ሓይሊ ማይ፤ 10 ጊጋ ዋት ድማ ካብ ጂኦተርማል ንምፍልፋል 10 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኢንቨስት ክገብር ከምዝደሊ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ጉዳይ ኣድሂቡ ኣብ ዝተገበረ ዘተ ዝተረኸቡ ሚኒሰስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ፥ “እዚ ንኢትዮጵያ ዓቢዩ ዓወት ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን 45 ሚኢታዊ ዝኾነ ተበፃሕነት ሓይሊ ንምሕያሽ መንግስቲ ሪፎርም ከምዝገበረ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ትሑት ዝኾነ ተበፃሕነት ንምምሕያሽ ፅሩይን ዝህደስን ሓይሊ ብምልማዕ፣ ኣብቲ ዓውዲ ፋይናንስ ብምግባር፣ ውልቀ ሰብ ሃፍቲ ብምስታፍ ከምኡ እውን ጥንኩራት ትካላት ንምህናፅ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

በተለይም በአውሮፓውያኑ አቆጣጠር በ2030 ኢትዮጵያ ለዘጎቿ መቶ በመቶ ኃይል ለማቅረብ ያቀደች በመሆኑ ይህ ውይይትና የድርጅቱ ተነሳሽነት ከፍተኛ ጠቄሜታ ያለው ነው ብለዋል።

ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2030 ሙሉእ ብሙሉእ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተጠቀምቲ ንምግባር ትልሚ ስለዘሓዘት፥ ተበግሶ እቲ ትካል ልዒል ረብሓ ከምዘለዎ ገሊፆም።

ፎርቲስኪው ኣብ ስራሕቲ መዓድን፣ ዘበናዊ ዱኽዒ (ማዳበሪያ)፣ ሓይሊ ብምፍልፋል፣ ኣብ ቀረብ ፅሩይ መስተ ማይን ካልኦትን ተዋፊሩ ዝሰርሕ ዓለም ለኸ ትካል ኢዩ።

ፍልፍል፦ ሚኒስቴር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.