Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ምክልኻል ኣብ ብር ሸለቆ ዘሰልጠኖም ምልምል ወታደራት ኣሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ምክልኻል ኣብ ብር ሸለቆ ንመበል 33 ግዘ ዘሰልጠኖም ምልምል ወታደራት ኣሪቑ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ፥ ዋና ሓላፊ ዘፈር ልምዓት ሃፍቲ ሰብ ሚኒስቴር ምክልኻል ሜጄር ጄኔራል ሐጫሉ ሸለመ፣ ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ንልምዓት ሓይሊ ሰብ ሜጄር ጄኔራል እንዳልካቸው ወልደኪዳን ሓዊሱ ላዕለዎት ጀነራል መኮንናት ተረኺቦም።

ኩርዓት ሃገር፣ ጠበቓ ወገናት፣ ናይ ባዕሎም ህይወት ገዲፎም ንሃገሮም ፅኑዕ ቃል ኪዳን ዝኣሰሩ ምልምል ወታደራት፥ ኣብ ብር ሸለቆ ሓደራ ተቐቢሎም፡፡

እቶም ተመረቕቲ ምስ ስሩዕ ሰራዊት ተሓዊሱ ካብ ውሽጢን ወፃኢን ዝህቀን ወረራ ብምምካት ከምኡ እውን ሓድነት ኢትዮጵያ ኣጠናኺሮም ከቐፅሉ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ካብ ሚኒስቴር ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.