Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ሰላም ቀፃሊ ሃገራዊ ምርጫ ሰላማዊ ኮይኑ ንምዝዛም ዝሕግዞ ሰነድ ስምምዕነት ከቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ሰላም ምስ ጀስቲስ ፎር ኦል ፒ ኤፍ – ኢትዮጵያ ብምውዳድ ቀፃሊ ሃገራዊ ምርጫ ሰላማዊ ኮይኑ ንምዝዛም ዝሕግዞ ሰነድ ስምምዕነት ከቲሙ።

እቲ ሰነድ ስምምዕነት፥ ኣብ ሰለማዊን ዴሞክራሲያውን መሰላት ዘድሃቡ ስልጠናታት ንኣካላት ፀፅታን ፍትሒን ንምሃብ ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።

ሚኒስትር ደኤታ እቲ ሚኒስቴር ወ/ሮ ፍሬኣለም ሽባባው፥ ዜጋታት ኣብ ሕገ መነግስቲ ዝተቐመጡ መሰላቶም ተኸቢሩሎም ሰለማዊ ብዝኾነ ኩነታት ንክመርፁን ክምረፁን ዘኽእል ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ይካየዱ ከምዘለዉ ተዛሪበን።

ብተወሳኺ ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ፌዴራል፣ ክልልትን ብምትሕብባር እቲ ሃካራዊ ምርጫ ሰለማዊ ኮይኑ ንክዛዘም ዘኽእል ኩለ መዳይ ህንፀት ዓቕሚ ኣካላት ፀፅታ እወን ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፀን።

ከም ኣገላልፃ እተን ሚኒስትር ዴኤታ፥ እቲ ምርጫ ንመላእ ኣፍሪካ ኣብነት ኮይኑ ንክሳለጥ ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ተግባራት ይስርሑ ኣለዉ።

ፍልፍል፦ ሚኒስቴር ሰላም

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.