Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር አቶት መርሃ ግብሪ ሽልማትን ኣፍልጦን ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር እቶት ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ 171 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝኣከበ ገሊፁ።

እዚ ዝተገለፀ ድማ እቲ ሚኒስቴር ”ኣገልጋላይ ምዃን መግለፂና ኢዩ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ዘሰናደኦ መርሃ ግብሪ ሽልማትን ኢዩ።

ሚኒስትር እቶት ኣይተ ላቀ ኣያሌው ከምዝበሉዎ፥ እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ኣብቲ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት 364 ቢሊየን ብር ኣታዊ ንምእካብ ተሊሙ ይሰርሕ ኣሎ።

ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ድማ 185 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ንምእካብ ተሊሙ 171 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ክእከብ ከምዝኸኣለ ገሊፆም።

ኣብ ኣደባባይ ምሕዝነት እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መርሃ ግብሪ፥ እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ካልኣይ ዙር ስነ-ስርዓት ኣፍልጦን ሽልማትን ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓታትን እናካየደ ይርከብ።

እቲ ሚኒስቴር ብኣፈፃፅማ ስረሖም ፅቕ ውፅኢት ዘመዝገቡ ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓታትን ከምኡ እውን ትካላት ምክትል ቀዳማይ ሚነሲትርን ሚኒትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንንን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኢዩ እናሸለመ ዝርከብ።

እቲ ስነ-ስርዓት ሽልማት ብሰለስተ ደረጃ ዝተኸፈለ እንትኸውን፥ ናይ ብሪ፣ ወርቂን ፕላቲኒየምን ደረጃ ተዋሂቡዎ ሽልማት ላፕቶፕ፣ ዋንጫን ገንዘብን ተሰናዲኡ።

ብታሪኩ ለገሰ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.