Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን ዓለም ለኸ ዋዕላ ምሕደራ ኢንተርኔት ብዝምልከት ምስ ኮሚሽን ቁጠባ ኣፍሪካን ትካል ሕቡራት መንግስታትን ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን ዶ/ር በለጠ ሞላ ምስ ሰበስልጣን ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካን ትካል ሕቡራት መንግስታትን ብዛዕባ ምድላው መበል 17 ዓለም ለኸ ዋዕላ ምሕደራ ኢንተርኔት ኣመልኪቶም ዘትዮም።

ኣብቲ ዘተ ክሳብ ሐዚ በቲ ኮምሽንን ብሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ብሓባር ዝተሰርሑ ተግባራት ዕውትንትን ዝርከብሉ ብርኪን ብዝምልከት ብላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ኮምሽን መብሪሂ ተዋሂቡ።

ብተወሳኺ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ሚኒስቴር ኣቓልቦ ዘድልዮም ህፁፅ ጉዳያት ብዝምልከት ዘተ ተኻይዱ፡- ነቲ ምድላው ብዝምልከት ብወገን እቲ ኣብ  ወሰንቲ ጉዳያት በቲ ቤት ፅሕፈት እቲ ሚኒስቴር መብርሂ ተዋሂቡ።

ኢትዮጵያ ንዕውትነት እቲ ጉባኤ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ቁርፀኛ እያ ዝበሉ ዶ/ር በለጠ÷ ንዕውትነት እቲ ጉባኤ ኣቓልቦ ተዋሂቡ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ዓለም ለኸ ዋዕላ ምሕደራ ኢንተርኔት ካብ 19 ሕዳር ክሳብ 23 ሕዳር 2014 ኣብ ኣዳራሽ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.