Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር እቶት ኣብ ወርሒ ግንቦት ልዕሊ 18 ነጥቢ 35 ቢሊየን ብር እቶት ኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስቴር እቶት ኣብ ወርሒ ግንቦት ልዕሊ 18 ነጥቢ 35 ቢሊየን ብር እቶት ኣኪቡ።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ወርሒ ግንቦት 23 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር ንምእካብ ትልሚ ሒዙ ዝነበረ እንትኸውን፥ ልዕሊ 18 ነጥቢ 35 ቢሊየን ብር ብምእካብ 77 ነጥቢ 8 ሚኢታዊ ትልሙ ከምዝፈፀመ ተገሊፁ።

ካብ ግብሪ ውሽጢ ዓዲ 10 ነጥብ 4 ቢሊየን ብር፣ ካብ ናይ ወፃኢ ቀረፅን ታክስን 7 ነጥብ 9 ቢሊየን ብር ከምዝተኣከበ ድማ ተሓቢሩ።

እቲ ኣፈፃፅማ ምስ ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር ብ3 ነጥቢ 08 ቢሊየን ብር ወይ ብ20 ነጥቢ 15 ሚኢታዊ ዕብየት ከምዘርኣየ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.