Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር እቶት ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ልዕሊ 225 ቢሊየን ብር ኣታዊ ኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ልዕሊ 225 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝኣከበ ሚኒስቴር እቶት ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር እቶት ወይዘሮ ኣይናለም ንጉሴ÷ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ኣብ ኣተኣኻኽባ እቶት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዝምልከት መግለፂ ሂበን።

ኣብ መግለፂአን ድማ ኣብ መንፈቕ ዓመት እቲ በጀት ዓመት ኣብ ስራሕቲ ሚኒስቴር እቶት ዕቤት ኢኮኖሚ ሃገር ዝድግፉ ብዙሓት ስራሕቲ ተሰሪሖም ኢለን፡፡

ንምእካብ ካብ ዝተሓሰበ 228 ነጥቢ2 ቢሊየን ብር፤ 225 ነጥቢ 9 ቢሊየን ብር ብምእካብ 99 ሚኢታዊ ትልሙ ከዕውት ከምዝኸኣለ እተን ሚኒስትር ተዛሪበን።

ዝተኣከበ ኣታዊ ምስ ኣፈፃፅማ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ ዓመት እንትነፃፀር 54 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር ሓለፋ ኣለዎ ምባለን ኢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ዘይሕጋዊ ንግዲን ኮንትሮባንድን ኣብ ምክልኻል መንግስቲ ክስእኖ ዝነበረ 40 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ኣታዊ ምድሓን ከምዝተኸኣለ ገሊፀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.