Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ቱርኪ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ዝበፅሐ ሓደጋ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣብ ደቡባዊ ቱርኪ ሎሚ ወጋሕታ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ንዝበፅሐ ሕልፈት ህይወት፣ ጉድኣት ኣካልን ዕንወት ንብረትን ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ገሊፁ።

እቲ ሚኒስቴር ህይወቶም ንዝሰኣኑ ስድራቤታት ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ብምግላፅ÷ በቲ ሓደጋ ጉድኣት ንዘጋጠሞም ወገናት ብቅልጡፍ ንኸሓውዩ ሰናይ ትምኒቱ ምግላፁ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኢትዮጵያ ምስቲ ሓደጋ ተተሓሒዙ ንዘድሊ ሓገዝ፤ ኣብ ጎኒ ህዝቢን መንግስቲን ቱርኪን ጠጠው ከምትብል እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.