Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር እቶትን ኮሚሽን ጉምሩክን ግምታዊ ዋገኦም ብር 34 ሚሊየን ዝኾኑ ኣቑሑት ንተመዛበልቲ ብሓገዝ ኣበርኪቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር እቶትን ኮሚሽን ጉምሩክን ግምታዊ ዋገኦም ብር 34 ሚሊየን ዝኾኑ ኣቑሑት ንተመዛበልቲ ብሓገዝ ኣበርኪቶም።

እቲ ሓገዝ ኣብ ሓደሓደ ከባቢታት ብዝተፈጠረ ፀገም ፀፅታ ንዝተመዛበሉ ወገናት ሓገዝ ዘተኣኻኽብ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኮከስ ደቂ ኣንስትዮ ኣቢሉ ዝተገበረ ኢዩ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት፥ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ፣ ሚኒስትር እቶት ኣይተ ላቀ ኣያሌውን ኮሚሽነር ኮሚሽን ጉምሩክ ኣይተ ደበሌ ቀበታን ተረኺቦም።

እቶም ሓገዛት፥ ዘይቲ ብልዒ፣ ሽኮር፣ ብርስን፣ ፓስታን ክዳውንቲን ከምዝኾኑ ፀብፃብ ግዜኢ የመላኽት።

ኣፈ ጉባኤ ኣይተ ታገሰ ጫፎ እቶም ትካላት ንዝገበሩዎ ሓገዝ ብምምስጋን፤ ሕብረተሰብ ነቲ ዝተፈፀመ ነውራም ተግባር ብምኹናን ንዝተጎድኡ ወገናት ንምፅንዕናዕን ንምጥያሽን ኣብ ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ንኽሳተፍ ፀዊዖም።

ምስ እዚ ጎኒ ንጎኒ ድማ ኣብ ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ጥንቃቐ ንኽገብር ኣተሓሳሲቦም።

ኣይተ ላቀ ኣያሌው ብግደኦም፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ፀገም ንምሕላፍ ምትሕግጋዝን ብምውዳድን ምስራሕ የድሊ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.