Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ኣብ ኣፍሪካ ዝገብሩዎ ዑደት ብኢትዮጵያ ጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀረባ እዋን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ብምዃን ዝተሾሙ ቺን ጋንግ ኣብ ዘበነ መዝነቶም ፈላማይ ዝኾነ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ሎሚ መዓልቲ ኢትዮጵያ ኣቲዮም።

ቺን ጋንግ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ÷ ምክትል ቀዳማይ ሚኒትርን ሚኒትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንንን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ኣብ ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪካ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ከምዝገብሩ ዝተገለፀ እቶም ሚኒስትር÷ ኢትዮጵያ ፈላመይቲ ዑደቶም ገይሮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ድማ ጥቡቅ ርክብ ክልቲአን ሃገራ ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ንምዕባይ ዝሕግዙ ዘተታት ክግበሩ ኢዮም ተባሂሉ።

ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝምልከት ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒትርን ሚኒትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንንን ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋቂ ማሕመትን ሓዊሱ ምስካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ ተራኺቦም ከምዝዝትዩ ትፅቢት ይግበር።

ብትእግስት ኣስማማው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.