Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ገዱ ኣብ ሮም ምስ ዝርከቡ ሓለፍቲ ዓለም ለኸ ትካላት ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሬኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ጎድና ጎድኒ ኣብ ጣሊያን ዝገብሩዎ ዘለዉ ዑደት ኣብ ሮም ምስ ዝርከቡ ሓለፍቲ ዓለም ለኸ ትካላት ተዛትዮም።

እቶም ሚኒስትር ምስ ዳይሬክተር ጀነራል ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም ኩ ዶንገዩ፣ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዴቪድ ባስሌይን ምስ ፕሬዚዳንት ዓለም ለኸ ፈንድ ልምዓት ሕርሻ ጊልበርት ሁንግቦን ኢዮም ተዛትዮም።

እተን ትካላት ኣብ ኢትዮጵያ ዝጀመረኦም ስራሕቲ ፕሮጀክታት ልምዓት ኣብ ዘጠናኽሩሉ ኩነታትን ምስታ ሃገር ዘለወን ኩለመዳያዊ ምትሕብባር ዝጠናኸረሉ ኩነታትን ኣድሂቦም ተዛትዮም።

ኣይተ ገዱ ምስ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዴቪድ ባስሌይን ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ፥ እቲ ትካል ንኢትዮጵያ ዝገብሮ ሰብኣ ሓገዝ ኣጠናኺሮም ኣብ ዝቕፅሉሉ ኩነታት ብዝምልከት ታዛትዮም።

ምስ ዳይሬክተር ጀነራል ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም ኩ ዶንገዩ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ድማ፥ እቲ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ዝተልዓለ ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ንምክልኻል ስራሕቲን ኣብ ትራንስፎርሜሽን ሕርሻ ኢትዮጵያን ዝገብሮም ሓገዛትን ምትሕብባርን ኣብ ዝጠናኸሩሉ ኩነታት ኣድሂቦም ዘትዮም።

እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ምስ ፕሬዚዳንት ዓለም ለኸ ፈንድ ልምዓት ሕርሻ ጊልበርት ሁንግቦን ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ፥ እቲ ትካል ንዘፈር ሕርሻ ዝገብሮ ሓገዝ ፋይናንስ ኣጠናኺሩ ኣብ ዝቕፅለሉ ኩነታት ብዝምልከት ምዝታዮም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.