Fana: At a Speed of Life!

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮዽያ ጨንፈር ትግራይ ምስ ማሕበራት ታክስን ባጃጅን ከተማ መቐለ ብምትሕብባር ልገሳ ደም ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮዽያ ጨንፈር ትግራይ ምስ ማሕበራት ታክስን ባጃጅን ከተማ መቐለ ብምትሕብባር ልገሳ ደም ኣካይዶም።

እቲ ስነ ስርዓት ልገሳ ደም፥ ብብርኪ ብሃገር ንመበል 63 ግዜ ዝኽበር ዓለም ለኸ ማዓልቲ ቐይሕ መስቀልን ቐይሕ ወርሕን ምኽንያት ብምግባር ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ስነስርዓት ልገሳ ደም ኣብ ከተማ መቐለ ኣደባባይ ሮማናት ዝተኻየ እንትኸውን፥ ዕላምኡ ድማ ብምኽንያት ሕፅረት ደም ዋላ ሓደ ሰብ ብፍላይ ድማ ኣዴታት ሂይወተን ከይስእኑ ዝብል ከም ዝኾነ ኣቦ መንበር ቦርድ ማሕበር ቐይሕ መስቀል ክልል ትግራይ ሓጋዚ ፕሮፌሰር የማነ ዘርኣይ ኣብሪሆም።

ማሕበር ቀይሕ መስቀል፥ ካብቶም ንሰብኣውነት ቀዳምነት ዝህቡ ትካላት ካብ ወገንነት ናፃ ከም ዝኾነ እውን ገሊፆም።

ሰብ ታክስን ባጃጅን፣ ካልኦት ደም ዝለገሱ ብርክት ዝበሉ ክፋል ሕብረተሰብ ንሰብ ምሕጋዝ ሰብ ምዃን እኹል ከም ዝኾነ ተረዲኦም ምሕጋዞም ክምስገኑ ከም ዝግባእ ዝገለፁ ኣይተ የማነ፥ ካልኦት ኣሰሮም ንኽስዕቡ ፀዊዖም።

ካብ ደም ምልጋስ ብተወሳኺ እቲ ብብርኪ ዓለም እናተላበደ ዘሎን ህይወት ብዙሓት ዜጋታት እናቐዘፈ ዝርከብን ለበዳ ቫይረስ ኮረና መከላኸሊ ዝውዕል ናይ ገንዘብን ንዋትን ሓገዝ ከምዝተበርከተ ተገሊፁ።

ብ መሰረት እዚ፥ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ክልል ትግራይ 195 ሺሕ ዝግመቱ ናውቲ፣ ኣባላት ሕዳሰ ማሕበር ታኽሲ 20 ሺሕን 850 ብር፣ ኣባላት ማሐበር ታክሲ ለምለም ኩሓ 20 ሺሕን 700ብር፣ ኣባላት ማሕበር ታክሲ ሓወልቲ 20 ሺሕን 350 ብር ንቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣረኪቦም።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ኣብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ መተሓባበሪ ምክልኻል ሃንደበታዊ ሕማማት ዶክተር ኣቤነዘር ዕፀገነት፥ እቲ ዝተበርከተ ሓገዝ ብምምስጋን፤ ሕብረተሰብ ኣብ ምክልኻል ቫይረስ ኮረና ዝገብሮ ዘሎ ምዝንጋዓት ጠጠው ኣቢሉ ዓርሱ ክሕልው ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.