Fana: At a Speed of Life!

ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ምድረ- ግእዝ ስርሑ ብዕሊ ንምጅማር ዘኽእል ቅድመ ምድላዉ ወጊኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ምድረ- ግእዝ ስርሑ ብዕሊ ንምጅማር ዘኽእል ቅድመ ምድላዉ ከምዝወገነ ኣፍሊጡ።

እቲ ማሕበር ምስ ዩንቨርስቲ መቐለ ኮሌጅ ሕግን ምምሕዳርን ብምትሕብባር፥ “ማይክሮ ፋይናንስ ንኹለመዳይ ዕብየት” ብዝብል ርእሲ ዘተ ሎሚ መማልቲ ኣሳሊጡ።

ኣብ ትግራይ ዝርከባ ትካላት ፋይናንስ ዝህብኡ ግልጋሎት ኣብ ከተማን ሓዉሲ ከተማን ዝተሓፀረ ምዃኑ ብምፅናዕ፥ ብፍላይ ድማ ኣብ ትሑት መነባብሮ ዝርከብ ክፋል ሕብረተሰብ ግልጋሎት ፋይናንስ ንምሃብ ዓሊሙ እቲ ማይክሮ ፋይናንስ ከምዝተጣየሸ ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ።

ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ምድረ- ግእዝ፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣክስዮናት ኣብ ምሻጥን ኣብ ቐረባ እዋን ድማ መሰራቲ ጉባኤ ብምክያድ ዕላዊ ስራሕ ንምጅማር ኣብ ምንቅስቓስ ይርከብ።

ኣብቲ መድረኽ ግደ ማይክሮ ፋይናንስ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝብል ርእሲ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዘቕረቡ በረከት ዘርኣይ (ዶ/ር)፥ ከም ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ምድረ- ግእዝ ዝበላ ትካላት ፋይናንስ ኣብ ምቕራፍ ድኽነት ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎን ኣረዲኦም።

ኣብ ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ምድረ- ግእዝ ኣተሓባባሪ ፋይናንሰ ኣይተ ሙልጌታ ሓጎስ ብግደኦም፥ ብዘመናዊ ቴክኖሎጂ ቅልጡፍ ግልጋሎት ንሕብረተሰብ ንምሃብ ቅድመ ምድላዋቱ ከምዝወገነን ኣብ ቀረባ እዋን ዕላዊ ሰርሑ ከምዝጅምርን ኣረዲኦም።

ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ምድረ- ግእዝ ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ዓመታት፥ ናብ ባንኪ ብምዕባይ ተወዳዳራይ ባንኪ ንክኸውንን ንዕብየት ኢንቨስትመንት ትግራይ ናይ ባዕሉ ብፅሒት ክፍፅምን ዓሊሙ ከምዝንቀሳቐስ ተሓቢሩ።

ፍልፍል፦Tigrai Mass Media Agency

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.