Fana: At a Speed of Life!

ማእኸል ምርምር ሕርሻ 58 ዝተመሓየሹ ዓሌታት ዘርኢ ጣፍ ተበፃሒ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቢሾፍቱ ዝርከብ ማእኸል ምርምር ሕርሻ 58 ዝተመሓየሹ ዓሌታት ዘርኢ ጣፍ ንሓረስቶት ተበፃሒ ብምግባ መፍረያይነት ብዕፅፊ ንኽውስኽ ከምዘኽኣለ ገሊፁ።

ኣብቲ ማእኸል ምርምር ሕርሻ መተሓባበሪ ብሄራዊ ፕሮግራም ምርምር ጣፍ ወርቁ ከበደ፥ ኣብዚ ዝተትሓዘ ዓመት እውን ክልተ ዝተመሓየሹ ዓሌታት ጣፍ ተበፃሕቲ ከምዝገበረ ብምፅራሕ፤ መፍረያይነት ጣፍ ንኽውስኽ ዝግበር ፃዕሪ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

እቲ ዓሌት ጣፍ ብምድቓልን ኣብ ቤተ ፈተነ ዝድለ ንጥረ ነገር  ንኽህልዎም ብኬሚካል ብምድራቕ ምርምር መመሓየሺ ዓሌት እናተገበረ ከምዝኾነ እቶም መተሓባበሪ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብብርኪ ሃገር ኣብ ዓመት ዘርከብ ዝነበረ ምህርቲ ካብ 1 ነጥቢ 7 ሚሊየን ሜትሪክ ቶን በቲ ዝተመሓየሸ ዓሌት ጣፍ ናብ 6 ሚሊየን ሜትሪክ ቶን ክብ ከምዝበለ ምሕባሮም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.