Fana: At a Speed of Life!

ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ዘዕብዩ ዓውድታት ብሰፊሑ ምስራሕ ይግባእ – ሰብ ሞያ ስነ ቁጠባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ዘዕብዩ ዓውድታት ብሰፊሑ ምስራሕ ይግባእ ክብሉ ሰብ ሞያ ስነ ቁጠባ ተዛሪቦም።

መጠን ንግዲ ወፃኢ ክብ ኣብ ምባል፣ ቀረብ ሸርፊ ወፃኢ ምዕባይን ፍርያትን ኣብ ምስሳንን ብትኹረት ክስርሐሎም ዝግብኦም ዓውድታት እዮም ክብሉ እቶም ሰብ ሞያ ተዛሪቦም።

ምስ ጣብያና ፃንሒት ዝገበሩ ብዓል ሞያ ሃብቲ ቁጠባ ዶክተር ደግዬ ጎሹን ኣይተ መሓመድ ኢሳን፥ ነቲ ሕርሻ ምዝማንን ብቴክኖሎጂ ዝተገደፈ ምግባርን ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

እቶም ሰብ ሞያ ንኢንቨስትመንት ኣብ ዘተባብዑ ፖሊሲታት ክስራሕ ይግባእ ኢሎም።

ዝተጀመሩ ሃገራዊ ፕሮጀክትታት ብቕልጡፍ  ምዝዛም ንዕብየት ማክሮ ኢኮኖሚ ልዑል ግደ ከምዝህልዎ ኣረዲኦም።

ዓውዲ ማክሮ ኢኮኖሚ ዝፈታተኑ ናህሪ ዋጋ ዕዳጋ፣ ምንካይ ዋጋ ሸቐጣት፣ ኣብ መንጎ ድሌትን ቀረብን ሰፊሕ ኣፈላላይ ምህላዉ፣ ፅዕንቶ ስእነት ስራሕን ዝመሰሉን ክፍተታት ብምፍላይ ምስራሕ ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.