Fana: At a Speed of Life!

ማይ ኣባይ ንብሕተይ ክጥቀም ዝብል ናይ ግብፂ ቅዋም ንዝተጀመረ ድርድር ማሕለኻ ኮይኑ ኢዩ – ኣይተ ገዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ማይ ኣባይ ንብሕተይ ክጥቀም ዝብል ናይ ግብፂ ቅዋም ነቲ ከም ብሓዱሽ ዝተጀመረ ድርድር ማሕለኻ ምዃኑ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ገሊፆም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ፥ ሓምሻይ መዓልቱ ኣብ ዝሓዘ ሰለስተኣዊ ድርድር ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ኣድሂቦም መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ ናይ በይነይ ረብሓ ጥራሕ ይተሓሎ ዝብል ቅዋም ግብፂ ኣብ ከይዲ እቲ ድርድር ልዑል ፅዕንቶ እናፈጠረ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።

እታ ሃገር ኣብ ከይዲ እቲ ድርድር ክሉ ግዘ ከምትገብሮ ክልተ ኣካይዳታት እናተኸተለት ምዃና እውን ተዛሪቦም።

ሓደ እግራ ኣብ ድርድር፤ ሓደ እግራ ድማ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ብምቕማጥ ምድርዳር ከምዝመረፀት ዝገለፁ ኣይተ ገዱ፥ ኣብቲ ድርድር ግብፃውያን ዝደለዩዎን ዝሓተቱዎን ኩሉ ንኽወሃቦም እምበር ክህቡ ኣይደልዩን ኢሎም።

ኣብ ናይ ሓባር ስምምዕነት እንተይተበፅሐ ኢትዮጵያ ማይ ክትመልእ ኣይትኽእልን ዝብል ተቐባልነት ዘይብሉ ሓሳብ ሒዛ ከምዝቐፀለትሉ እውን ኣብሪሆም።

ግብፃውያን ኢትዮጵያ በዓልቲ ዋና ሩባ ኣባይን ንመፍትሒ ቁልፊ ሃገር ምዃና ንዘይምስምዕማዕ ዝተዳለዉ ከምዝኾኑን ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፥ ኢትዮጵያ ሕዚ እውን እንተኾነ ቀንዲ መፍትሒ ዘተን ድርድርን ኢዩ ኢላ ከምተኣምን ገሊፆም።

ካብ ወገን ካይሮ ዝስትዓል ካብ መጠን ንላዕሊ ዝኾነ ስሰዐ ኣብ ከይዲ እቲ ድርድር ማሕለኻ ምፍጣሩ ከምዝቐፀለ ብምግላፅ፥ ድሌት ሓበራዊ ልምዓት ኢትዮጵያን ድሌት ሰበ ስልጣናት ግብፂን ማዕዶ ንማዕዶ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ግብፂ ካብ መርህ ስምምዕነት ብዘይ ምውፃእን እቲ ዝካየድ ዘሎ ሰለስተኣዊ ድርድር ክቕፅልን ብምግባር ፍትሓዊን ምኽንያታዊን ኣጠቓቕማ ሩባ ኣባይ ናብ ዘረጋግፅ ስምምዕነት ክትመፅእ ከምዝግባእ ኣይተ ገዱ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.