Fana: At a Speed of Life!

ምህርቲ ዕዳጋ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሰነ 62 ሺሕን 542 ቶን ምህርቲ ኣተዓዳዲጉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምህርቲ ዕዳጋ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሰነ 62 ሺሕን 542 ቶን ምህርቲ ብብር 3 ነጥቢ 72 ቢሊየን ምትዕድዳጉ ኣፍሊጡ።

ኣብ ውሽጢ 22 ናይ ዕዳጋ መዓልቲታት ሓሙሽተ ዝተፈላለዩ ፍርያታት ካብ ምትዕድዳጉ ብተወሳኺ ንዕድጊት ዝመፅእ መጠን ፍርያት ከምዝወሰኸ እውን ገሊፁ።

ኣብቲ ዝተገበረ ዕድጊ 44 ሚኢታዊ መጠንን 66 ሚኢታዊ ዋጋን ብምሽፋን ፍርያት ቡን ቀዳማይ ደረጃ ዝሓዘ እንትኸውን፥ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ እንትነፃፀር ድማ 6 ቶን መጠንን 7 ሚኢታዊ ዋጋን ሓለፋ ነይሩዎ።

ኣብ ወርሒ ሰነ ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ዝቐረበ 18 ሺሕ ቶን ዘይተሓፀበ ቡን ብብር 1 ነጥቢ 46ን 419 ቶን ዝተሓፀበ ፍርያት ቡን ብብር 53 ሚሊየን ተዓዳዲጉ።

21 ሺሕን 943 ቶን ሰሊጥ ብብር 944 ሚሊየን ዝተዓዳደገ እንትኸውን፥ ምስ ዝሓለፈ ወርሒ እንትነፃፀር 40 ሚኢታዊ ብመጠን 39 ሚኢታ ድማ ብዋጋ ክብ ክብል ክኢሉ።

ቀረብ ምህርቲ ሰሊጥ ምስ ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር ብሰለስተ ዕፅፊ ክውስኽ ከምዝኸኣለ ምህርቲ ዕዳጋ ኢትዮጵያ ናብ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.