Fana: At a Speed of Life!

ምልክታት ዋሕዲ ደም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋሕዲ ደም እኹል ሴል ደም እንትሰኣን ዘጋጥም ዕንቅፋት ጥዕና ኢዩ።

ዋሕዲ ደም ዝበሃል እውን÷ መጠን ሂሞግሎቢን ንደቂ ተባዕትዮ ትሕቲ 13 ነጥቢ 5 ግራም/ደሊ ከምኡ እውን ንደቂ ኣንስትዮ ድማ ትሕቲ 12 ግራም/ደሊ ኮይኑ እንትርከብ ምዃኑ ሰብ ሞያ ሕክምና ይገልፁ።

ንምዃኑ ምልክታት ዋሕዲ ደም እንታይ እንታይ እዮም?

ካብ ሞንጎ ምልክታት ዋሕዲ ደም፦ ስምዒት ድኻም፣ ሕማም ርእሲ፣ ሕፅረት እስትንፋስ፣ ምፍሕሻውን ምድራቕን ቆርበት፣ ምውሳኽ ውቅዒት ልቢ፣ ኣብ ታሕተዋይ እግሪ ዘይተሓሰበ ምንቅስቓስ፣ ምዝሓል ኢድን እግሪን፣ ኣብ ሓደ ወይ እውን ክልቲኦም ኣእዛን ዘይተለመደ ድምፂ ወይ እውን ዓው ዝበለ ድምፂ ከምዝፅራሕ ካብ ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ዋሕዲ ደም እንተሃሊዩዎም ልዑል መጠን ዓይረን ዘለዎም ምግቢታት ከም ስጋ ብዕራይ፣ ሓምለዋይ ዓብዪ ቆፅሊ ዘለዎም ኣትክልቲ፣ ኦቾሎኒ፣ ውፅኢታት ፀባ፣ ልዑል ትሕዝቶ ፎሊክ ኣሲድ ዘለዎም ምግቢታት ከም ለሚንን ኣራንሺን ከምኡ እውን ጥረምረ ምምጋብ ይምከር።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.