Fana: At a Speed of Life!

ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ንዞባ ቦረና ተጎዳእቲ ደርቂ ዝገበሮ ደገፍ ልዕሊ 250 ሚሊየን ብር ጥረ ገንዘብን ዓይነትን ኣረኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዞባ ቦረና ተጎዳእቲ ደርቂ ዝገበሮ ደገፍ ልዕሊ 250 ሚሊየን ብር ጥረ ገንዘብን ዓይነትን ኣረኪቡ።

እቲ ደገፍ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ፣ ትካላትን ክፍለ ከተማታትን ዝተኣከበ ኢዩ።

ማይ መትሓዚ ታንከራትን መግቢ አንስሳትን ዘካተተ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ኣዳነች ኣቤቤ፥ ኣብቲ ዞባ ነዝርከቡ ወገናት ምሕጋዝ ናይቲ ክልል መንግስቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ንሕና እውን ንወገናትና ኣብ ጎኖም ኢና ንምባል ኢዩ እቲ ደገፍ ተገይሩ ኢለን።

እቲ ደገፍ ንዝሃቡ ኩሎም ድማ አመስጊነን።

እቲ ደገፍ ዝተረከቡ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ኣወሉ ኣብዲ፥ ንዝተገበረ ደገፍ አመስጊኖም።

እቲ ድርቂ ዘጋጠመ ብሰንኪ ንተኸታታሊ 3 ዓመታት ኣብ 10 ዞባታት ዝናብ ዘይምዝናቡ ምዃኑ ኣረዲኦም።

ብፍቅርተ ከበደ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.