Fana: At a Speed of Life!

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ትማሊ ንዝተፈጠረ ምትእጉጓ መርሃ ግብሪ ኢፍጣር ኣደባባይ ይቕሬታ ሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ትማሊ ንዝተፈጠረ ምትእጉጓ መርሃ ግብሪ ኢፍጣር ኣደባባይ ይቕሬታ ሓቲቱ።

ምክትል ከንቲባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፥ “ትማሊ ንዝተፈጠረ ነገር ብሽመይን ብሽም ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ይቕሬታ የሓትት” ኢለን።

ኣደባባያት ኢትዮጵያ ናይ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኢዮም” ዝበላ እተን ምክትል ከንቲባ፥ ሓደ መኣዲ ብሓባር ተኻፈለ ህዝቢ ናተይ ናተይ ብዝብል ብሓደ ኣደባባይ ከምዘይፃላእ ገሊፀን፡፡

እቲ መርሃ ግብሪ ክተኣጓጎል ዝኸኣለ፥ እዋናዊ ኩነታት ስግኣት ፀፅታ ኣብ ግምት ብምእታው ንውሓትን ስፍሓትን እቲ ቦታ ውሱን ንኽኸውን ብዝቐረበ ሓሳብ እቲ ኣሰናዳኢ ኮሚቴ ብዘይምእማኑ ጥራሕ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሀን።

ትማሊ ምሸት ኣካላት ፀፅታ ዝገበሩዎ ምንቅስቓስ እውን ናይ ኩሎም ነበርቲ ሰላምን ድሕንነትን ንምርግጋፅ ኣድላዪ ሓለዋ ንምግባር ተሓሲቡ እምበር፤ ኢፍጣር ንምኽልካል ተሓሲቡ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

“ይኹን እምበር ሓደሓደ ሓላፍነት ዝጎደሎም ኣካላት እቲ ጉዳይ ናብ ዘይተደለየ ኣንፈት ንምውሳድ ኣብ መራኸብቲ ሓፋሽ ንምግዋሕ ፈቲኖም ኢዮም” ኢለን እተን ምክትል ከንቲባ።

ማሕበረሰብ ሙስሊም ብዝተፈጠረ ኩነታት ዝተሰመዖ ቅርታ ዝገለፀሉ መገዲ ጭዋነት ዝተመልኦን ሰላማዊን ከምዝነበረ ብምግላፅ ናእደእን ኣቕሪበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.