Fana: At a Speed of Life!

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ዘኹርዕ ዓወት ንዘመዝገቡ ኣትሌታት ሽልማት 10 ሚሊየን ብርን ውህብቶ መሬትን ኣበርኪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መበል 18 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ዘኹርዕ ዓወት ንዘመዝገቡ ኣትሌታት መርሃግብሪ ምስግናን ሽልማትን የካይድ ኣሎ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መነገስቲን ተረኺቦም።
 
ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ኣማሲዩ ዝገበሮ ስነስርዓት ሽልማት፥ ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ዘኹርዕ ዓወት ንዘመዝገቡ ኣትሌታት ሽልማት 10 ሚሊየን ብር ሂቡ።
 
ብተወሳኺ ኣብቲ ውድድር ሳልሳይ ንዝወፅኡ 250 ካሬ፣ ካልኣይ ንዝወፅኡ 350 ካሬ ከምኡውን ቀዳማይ ንዝወፅኡ 500 ካሬ ሜትር ተበርኪቱሎም።
ጉጅለ ልኡኽ ኣትሊቲክስ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ኣብ ዝተገበረ ስነስርዓት ኣቀባብላ፥ ንኣባላት እቲ ጉጅለ ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎ ሽልማት ገንዘብ ምግባሩ ይዝከር።
ብይስማው ኣደራው
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/ ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B 5… ይግበሩ/ራ! ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.