Fana: At a Speed of Life!

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ 110 ፓምፕታት ማይ ንክልል ሶማሌ ኣበርኪቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ 110 ፓምፕታት ማይ ንክልል ሶማሌ ኣበርኪቱ።

ኣብቲ ክልል መርሃ ግብሪ ትሩፋት ሌማት መፋለጢ መድረኽ ተኻይዱ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሚኒስትር መስኖን ከባቢ ቆላን ኢንጂነር አይሻ መሃመድ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ተረኺቦም።

ከንቲባ ኣዳነች፥ ኢትዮጵያ ካብ ድኽነት እትላቐቕ ጠንካራ ኢኮኖሚ ምህናፅ እንትከኣል ኢዩ ኢለን።

ብመሰረት እዚ እቲ ክልል ዘለዎ ተፈጥሮኣዊ ፀጋን ዓቕሚን በትኽክል ምጥቃም እንተኽኢሉ መላእ ኢትዮጵያ ምምጋብ ዘኽአል ዓቕሚ ከምዘለዎ ሓቢረን።

ኣዲስ ኣበባ ናይ ኩሉ ከተማ ስለዝኾነት፥ ነቲ ክልል ዘለዉ ሓረስቶትን ሰበኽ ሳግምን ዝኸውን ኣድላዪ ደገፍ ክትገብር ኢያ ኢለን።

ናይቲ ክልል ናይ ሌማት ትሩፋት ፕሮግራም ንክጠናኸር 110 ፓምፕታት ማይ ብመልክዕ ደገፍ ከምዝተለገሰ ተዛሪበን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.