Fana: At a Speed of Life!

ምስ መንግስቲ ጀርመን ልዕሊ 32 ሚሊየን ዩሮ ሓገዝ ገንዘብ ድጋፍ ንምግባር ዘኽእል ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስ መንግስቲ ጀርመን ልዕሊ 32 ሚሊየን ዩሮ ሓገዝ ገንዘብ ድጋፍ ንምግባር ዘኽእል ስምምዕነት ፕሮግራም ከምዝተፈረመ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪያት ካሚል ምስ ዳይሬክተር ባንኪ ልዓት ጀርመን ኣብ ሕብረት ኣፍሪካን ምብራቕ ኣፍሪካን ክርስቶፎር ቲከንስ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘቲየን።

እተን ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ ፅሑፍ፥ ምስ መንግስቲ ጀርመን ልዕሊ 32 ሚሊየን ዩሮ ሓገዝ ገንዘብ ድጋፍ ንምግባር ዘኽእል ፕሮግራም ስምምዕነት ከምዝተፈረመ ገሊፀን።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ 20 ትካላት ቴክኒክን ሞያን 500 ሚሊየን ብር ዝግመት መሰረተ ልምዓት ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ንምህናፅ ዝሕግዙ እታወት ርኽክብ ከምዝተገበረ ኣብሪሀን፡፡

እቲ ሓገዝ ኣብ ቀፃሊ ተጠናኺሩ ኣብ ዝቕፅለሉ ኩነታት ከምዝተዛተያ ብምሕባር፤ መንግስቲ ጀርመን ዝንገበሮ ሓገዝ ምስጋና ኣቕሪበን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.