Fana: At a Speed of Life!

ምስ ተምሃሮ መሰረታዊ ባሕረኛታት ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ዘድሃበ ልዝብ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ባህርዳር መኮድ ካምፕ ዝርከቡ ተምሃሮ መሰረታዊ ባሕረኛ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ዘድሃበ ልዝብ ተኻይዱ።

ምክልትል ኣዛዚ ንሎጂስቲክስ ባሕሪ ሓይሊ ፌዴሪኢ ኮሞዶር ዋለፃ ዋቻ፥ እቲ ትካል ብስልጠና ትምህርቲ ብቑዕን ፕሮሽናልን ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ንምፍራይን ዓቕሚ እቲ ክፍሊ ኣብ ዘዕቢዩ ስራሕቲን ትኹረት ገይሩ እናሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡

ባሕሪ ሓይ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ትካላዊ ሪፎርም እናሳለጠ ምፅንሑን ኣብ ሓዱሽ በጀት ዓመት እውን ዝተምሃረ ሓይሊ ንምፍራይ ዝግበር ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣብሪሆም፡፡

ኢትዮጵያ ጥንኩር ሓይሊ ባሕሪ ንኽህልዋ፥ ንኣባላት ኣካዳሚያዊን ወታደራዊን ስልጠናታት እናሰልጠነ ከምዝርከብ ዝገለፁ እቶም ምክትል ኣዛዚ፥ ካብ ባሕሪ ይኹን ካብ ምድሪ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝህቀኑ ሓደጋታት ዝምክትን ብቑዕን ጥንኩርን ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ምህናፅ ጭቡጥ ውፅኢት እናተመዝገበ ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡

ሰልጠንቲ ሓይሊ ባሕሪ ብውፅኢታዊነት ኣሰልጢኑ ብምምራቕ ንሰራዊት ምክልኻል ተወሳኺ ዓቕሚ ከምዝፈጥር ዘለዎም እምነት ምግላፆም ካብ ፌስቡክ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.